እንኳዕ ን2015 ኣብፀሐኩም!
- Category: News & Events
- Published on 01 January 2015
- Written by Mulugeta Gebru
- Hits: 55392
ዝኸበርኩም ኣባላትና፥
ተወዲኣ ዘላ ዓመት (2014) ንኮምዩኒቲ ትግራይ ኣትላንታ ኣዝያ ፅቡቅቲ ዓመት’ያ ነይራ። ኣብ’ዛ ዓመት’ዚኣ ኮምዩኒቲና ናይ ብዙሓት ዓማውቲ ርሕቀት ተጓዒዛን ዘሐብኑን ዘኽርዑን ውፅኢታት ኣመዝጊባን’ያ። እዚ ውፅኢት’ዙይ ድማ ናይ ኣባላትና ፍልይ ዝበለ ወነን ሓቦን ዝወለዶ ዓርሰ - እምነትና ዘመዝገቦ’ዩ። እዚ ዓርሰ - እምነት’ዙይ ድማ ኮምዩኒቲና ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ነቅ ኣብ ዘይትብለሉ ደረጃ ኣብፂሑዋ ይርከብ። 2014 ተወዲኣ ብ2015 ኣብ እትትከአሉ ድማ ካብ ዝተምሃርናዮምን ዝጨበጥናዮምን ጠንካራ ጎኒታትን ተሞክሮታትን ተልዒልና ዝበለፁ ፍፃመታት ንኽንፍፅምን ኮምዩኒቲና ኣብ ዝለዓለ ዕብየት ንኽትበፅሐልናን ከም ሓደ ሰብ ኮይንና ብፍቅሪ ንኽንምርሽ ቅሩባትን ምዃንና ቃልና እነሐድሰሉ ጊዜ’ዩ። ኩላትኩም ኣባላትና ድማ ካብ’ታ ወዲእናያ ዘለና ዓመት ዘመዝገብናዮም ውፅኢታት ንላዕሊ ንኽተመዝግቡ ቅሩባት ምዃንኩም እናኣመንና እዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ ምዕባለ፣ ጥዕናን ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ ፍቅሪን ስኒትን ዓመት ንኽትኮነልኩም ንምነ!
ኣብ ውሽጢ ስቴት ጆርጅያን ከባቢኣን እትነብሩ ተጋሩ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥
ኮምዩኒቲና ዝተጓዓዘቶን በፂሓቶ ዘላ ቦታን ክንግምግም እንተለና ናትኩም ድጋፍ’ውን ዘይተፈለየና ብምዃኑ’ዩ እሞ በ’ዚ ኣጋጣሚ’ዙይ ምስጋናና ይብፃሕኩም። ከም’ቲ ኣብ ዓንድን ሕጊን ኮምዩኒቲና ሰፊሩ ዘሎ ድማ ኣብ ጆርጅያን ከባቢኣ ዘለዋ ስቴታትን እትነብሩ ኣሓትናን ኣሕዋትናን’ውን ኣባላት ኮይንኩም ምሳና ተረባሕቲ ከምትኾኑ እዩ’ሞ ሎሚ’ውን ብኣባልነት ንኽትሳተፉ መፀዋዕታና ብኽብሪ ነቅርበልኩም። 2015 ድማ ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ምዕባለን ዓመት ንኽትኮነልኩም ንምነይ።
መልካም ኣዲስ ዓመት ለሁላችን ይሁን!
Happy New Year!
ላዕለዋይ ሽማግለ ኮ.ት.ኣ.