እንኳዕ ን2015 ኣብፀሐኩም!

ዝኸበርኩም ኣባላትና፥

ተወዲኣ ዘላ ዓመት (2014) ንኮምዩኒቲ ትግራይ ኣትላንታ ኣዝፅቡቅቲ ዓመት’ያ ነይራ። ኣብዓመትዚኣ ኮምዩኒቲና ናይ ብዙሓት ዓማውቲ ርሕቀት ተጓዒዛን ዘሐብኑን ዘኽርዑን ውፅኢታት ኣመዝጊባንያ። እዚ ውፅኢትዙይ ድማ ናይ ኣባላትና ፍልይ ዝበለ ወነን ሓቦን ዝወለዶ ዓርሰ - እምነትና ዘመዝገቦዩ። እዚ ዓርሰ - እምነትዙይ ድማ ኮምዩኒቲና ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ነቅ ኣብ ዘይትብለሉ ደረጃ ኣብፂሑዋ ይርከብ። 2014 ተወዲኣ 2015 ኣብ እትትከአሉ ድማ ካብ ዝተምሃርናዮምን ዝጨበጥናዮምን ጠንካራ ጎኒታትን ተሞክሮታትን ተልዒልና ዝበለፁ ፍፃመታት ንኽንፍፅምን ኮምዩኒቲና ኣብ ዝለዓለ ዕብየት ንኽትበፅሐልናን ከም ሓደ ሰብ ኮይንና ብፍቅሪ ንኽንምርሽ ቅሩባትን ምዃንና ቃልና እነሐድሰሉ ጊዜዩ። ኩላት ኣባላትና ድማ ካብወዲእናዘለና ዓመት ዘመዝገብናዮም ውፅኢታት ንላዕሊ ንኽተመዝግቡ ቅሩባት ምዃንኩም እናኣመንና እዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ ምዕባለ፣ ጥዕናን ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ ፍቅሪን ስኒትን ዓመት ኽትኮነልኩም ንምነ!

ኣብ ውሽጢ  ስቴት ጆርጅያን ከባቢኣን እትነብሩ ተጋሩ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥

 

ኮምዩኒቲና ዝተጓዓዘቶን በፂሓቶ ዘላ ቦታን ክንግምግም እንተለና ናትኩም ድጋፍውን ዘይተፈለየና ብምዃኑእሞ ኣጋጣሚምስጋናና ይብፃሕኩም። ከምኣብ ዓንድን ሕጊን ኮምዩኒቲፊሩ ዘሎ  ድማ  ኣብ ጆርጅያን ከባቢኣ ዘለዋ ስቴታትን እትነብሩ ኣሓትናን ኣሕዋትናንውን ኣባላት ኮይንኩም ምሳና ተረባሕቲ ከምትኾኑ እዩሎሚውን ብኣባልነት ንኽትሳተፉ መፀዋዕታና ብኽብሪ ነቅርበልኩም። 2015 ድማ ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ምዕባለን ዓመት ኽትኮነልኩም ንምነይ።

መልካም ኣዲስ ዓመት ለሁላችን ይሁን!

Happy New Year!  

ላዕለዋይ ሽማግለ ኮ.ት.ኣ.